ፖሊስ ሽወደን ሕሳብ ጥርጡራት ገበን ኣብ ምድስካል ካብ ካልኦት ሃገራት ሓገዝ ይረኽቡ’ኳ እንተኾኑ ካልኦት ተመሳሳሊ ሓገዝ እንክሓታ ግና ከም ሕቶኦም ከም ዝንጽጉ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብመሰረት እቲ ኣብ 2001 እተኸተመ ኣውሮጳዊ ውዕል ሳይበርክራይም እዚ ምድስካል ብሓገዝ ብዙሓት ሃገራት ጥራይ እዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል። ነዚ ሕጊ ዝፈረማ ሃገራት 18 እኳ እንተኾና ዛጊት ግና ሓጋጊ ኣካል ሽወደን አቲ ሽወደን ሕሳብ ጥርጡራት ገበነኛታት ከተደስክል ዝቐረበላ ሕቶታት ትምእዘዝ የለን ክብሉ ኣማሪሮም ኣለዉ።
እኽበርቲ ሕጊን ፖሊስን ሽወደን ንባዕሎም ኣብዚ ጒዳይ እተን ካልኦት’ውን ዝሕንግዳሉ ግዜያት ከምዘሎ ብምግላጽ፥ ሽወደን ከም ኣምሳያኡ እያ ምትሕብባር ካብ ምግባር ትቚጠብ ዘላ ኢሎም። ንኣብነት ሮማንያ ነቲ ብሽወደን ዝቐረበላ ናይ ሓደ ጥርጡር ገበነኛ ሕሳብ ናይ ምድስካል ሕቶ ከም ዝነጸገቶ ይፍለጥ። ሮማንያ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ “ንስኹም ንሕቶና ካብ ነጸግኩሞ ንሕና ንተሓበበረኩሉ ኣብነት የብልናን” ኢላ።