ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወይ ዞባ ቊጠባ ኣውሮጳ ወጻኢ ንዘለዉ ዜጋትት ካልኦት ሃገራት ተባሂሉ ዝወጸ ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ኣትሒዙ ከብቅዕ ምዃኑ መንግስቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።
ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዙ ካብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ በጻሕቲ ናብ ሽወደን እንክኣትዉ ናይ ክትባት መረጋገጺ ወይ ነጋቲቭ ውጽኢት ከርእዩ ኣይክግደዱን እዮም። ኣብ ዞባ ቁጠባ ኣውሮጳ ዘለዉ በጻሕቲ እዚ ሕድገታት ሕጊ ድሮ ተጌሩሎም እዩ።.
እዚ ናይ ጒዕዞ መምርሒ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ብዝብል ንኽልተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ግና እዚ ሕጊ ኣብዚ እዋን ኣድላዪ ኣይኮነን ኢሉ ከም ዝሓስብ እዩ ዝገልጽ።
እዚ እናኾነ ወኪላት ጒዕዞ ከምኡ’ውን ኣካየድቲ ዙረት ካብ ቀረባ ሳምታት ኣትሒዙ ን ዝመጽእ ወቕቲታት ጽድያን ሳመርን ቦታ ክተሓዘሎም ዝደልዩ ሰባት ቊጽሮም ክውስኽ ምጽንሑ ገሊጾም ኣለዉ። ብምኽንያት ለበዳ ድሕሪ ዝወጸ እገዳ ጒዕዞ ብዙሓት ጸሓይ ናፊቖም ዝጸንሑ ሽወደናውያን ናብ ወጻኢ ክገሹ ህንጡይነት ከም ዘለዎም ኣብ ቪንግ ሓላፊ መራኸቢታት ክሌስ ፐልቪክ ገሊጹ።.
“ሽወደናውያን ሓደስቲ ባህሊትት ክርእዩ ድሌት ኣለዎም፥ ክብል ንረድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ’ሎ።