መንግስቲ ሽወደን ካብ ሓሙስ ሓምለ 4 ጀሚሩ ንዓሌታውያን ውድባት ዝእግድ ሓድሽ ኣዋጅ ንምጽዳቕ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዝርከብ ተገሊጹ። ሓደስቲ ኣዋጃት ምስ ዝወጹ መንግስቲ ብመሰረት ቅዋማዊን ሕጋዊን ውድዓዊ ኲነታት ኮሚተ ብምምስራት ነቲ ጒዳት ከም ዘጽንዖን ንዝስዕብ ምርጫ ከም ዘቕርቦን ይፍለጥ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ናዚን ካልኦት ዓሌታውያን ሰልፊታትን ኣብ ሽውደን ክነጥፉ ምጽንሖም ይንገር። እዞም ሰልፊታት ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብምምዝማዝ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ናይ ጸለመን ዓሌትነትን ወፍሪ ብጻዕቂ ከካይዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ” ዓሌታውያን ውድባት ቅልጡፍ ስጒምቲ ዘድልዮ ስግኣት እዩ” ኢሉ። ውጽኢት ናይዚ መርመራ ኣብ ለካቲት 2021 ክቕርብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።