መንግስቲ ሽወደን፡ ሃገሩ ፍቱን ክታበት ኮሮና ንምውናን ብምባል ጥርዚ ልቓሕ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ናብ 2 ቢልዮን ክሮነር ኣበሪኽዎ ምህላዉ ተገሊጹ።
ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትንፋስ ዘይህብ ቅድድም ምህዞ ክታበት ኮሮና ኣትያ ምህላዋን ዓበይቲ ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ብውዕላት ተጻቢቦም ምህላዎምን ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝለዓለ ጥርዚ ልቓሕ በዓልመዚ ጥዕና 350 ሚልዮን እዩ ኔሩ።
“ብቑዕ ክታበት እንድኣ ተረኺቡ በዓልመዚ ኣሃዱ ጥዕና ዓቢ ዕድላት ክኽፈተሉ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊና ሃሊንግረን ትማሊ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ።
ኣብ ምምሃዝ ክታበት ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለ ከም ዝመሰጣ ዝገለጸት ሃሊንግረን ክሳብ ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ዝበጽሕ ግና ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጻ።
“ቀረብ እዚ መድሃኒት ውሑስ ንምግባር ምስ ኣዳለውቲ ክታበት ምውዕዓል ከድሊ ይኸውን እዩ። ሎሚ ኣየናይ ዓይነት ክታበት ብቑዕ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ድማ ብርክት ዝበለ ውዕላት ምኽታም ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ወሲኻ ኣረዲኣ።
ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራ-ዜነካ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት ዝጸንሕ ናይ 400 ሚልዮን ንክታበት ዝኸውን መድሃኒት ንኸቕርብ ውዕል ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ምኽታሙን ሽወደን ምስዚ ኩባንያን ካልእን ዝርርብ ምክያዱ ተፈለጡ ኣሎ።
ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ስርዓት ሽወደን ስልጣኑ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ስልጣኑ ዝተመቃረሐ እዩ ብዝብል ነቐፌታ ከም ዝወረዶ ይፍለጥ።