ኣብ ዝሓለፉ ናይ ግርጭታት ታሪኽ፡ ሽወደን ዘይሻራዊ መርገጺ ትወስድ እኳ እንተነበረት፡ ምስ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ግና፡ ናብ ምምልካት ኣባልነት NATO በጺሓ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሽወደን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብ ቚጠባ፡ ፖለቲካን ወተሃደራዊን መዳያት ምስ ምዕራባዊ ዓለም ኣዝያ ተወሃሂዳ ብምህላዋ እያ፡ ክብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም–ፕሮፌሰር ማግኑስ ፐተርሾን–ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ፡ ዘይሻራዊት ተዓዛቢት ካብ ምዃን ትውጽእ ኣላ ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።