ሓድሽ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶቢያስ ቢልስትሮም፡ ነቲ “ኣንስታዊ ጒዳያ ወጻኢ” ዝተሰምየ ገዲም መርሖ ክርሕርሖ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ መርሖ ካብ ዘረባ ዘይሓልፍን ትሕዝቶ ኣልቦን እናኾነ ብምምጽኡ ክውገድ ከም እተገብረ፡ ይዂንምበር ሕጂ’ውን ሽወደን ን “ማዕርነት ጀንደር” ከም እትቐውም ኣስሚሩሉ’ሎ። “ማዕርነት ጀንደር ሕመረት ክብሪ ሽወደንን እዚ ሓድሽ መንግስቲን እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣንስታዊ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ምኽታል ሓዲግናዮ ኣሎና” ክብል ቶቢያስ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ፖሊሲ ብጸጋማይ ክንፊ ኣብ 2014 ዝተኣታተወ ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህሉ ርክባት ማዕርነት ጀንደር ማእከል ዝገበረ ክከውን ዝድንግግ እዩ ኔሩ። ኡልፍ ክሪስተርሰን ሓድሽ መንግስቱ ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ምቛሙ፡ ነዚ ሱር በተኻዊ ለውጢ ፖሊስ ምትእትታዉ ተፈሊጡ’ሎ።