ሽወደን ኣብ ህዝባዊ ዲጂታላይዜሽን መበል ሻዱሻይ ደረጃ ከም ዝሓዘት ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። እዚ ዳህሳስ 193 ሃገራት ዝሸፈነ ኮይኑ ሃገረ ዴንማርክ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ቀጺለን ድማ ደቡብ ኮርያ፡ ኤስቶንያ፡ ፊንላንድን ኣውስትራልያን ከም ዝምደባ ድማ ኣመልኪቱ።
ህሉው ኩነታት እዚ ለበዳ ንዲጂታላዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ተጠላቢ ከም ዝገበሮ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ብዙሓት ሃገራት ከም ግብረመልሲ ናይ ቪርቹዋል ዶክተራት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎትን ዝመሰሉ ሓደስቲ እታዊታት ይገብራ ምህላወን ሓቢሩ።
እዚ ይኹን እምበር ኣብዚ ዲጂታላይዜሽን እንታይ ይእቶ እንታይከ ይተርፍ ኣብ ዝብል ሕቶ ናይ ዳታ ተኣማንነትን ድሕነትን ኣካታዒ ምህላዉ ተመልኪቱ። ብኻልእ መዳይ ዲጂታላይዜሽን ኣብ ገለ ሃገራት ይግብል ኣብ ካልኦት ግና ጨሪሱውን ከም ዘይፍለጥን ብዙሕ ጋግ ምህላዉን ዝፍለጥ እዩ።