ኣብ መላእ ሽወደን ከቢድ ሕጽረት ሓካይም እንስሳ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ነዚ ሕጽረት ንምምላእን ሰኣን ሕክምና ይሞቱ
ዘለዉ ጥሪትን እንስሳታትን ንምድሓንን፥ ሽወደን ካብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ሰብ ሞያ ሕክምና እንስሳ ክትቈጽር ምዃና ተፈሊጡ።
ምኽንያት እዚ ክቱር ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ፥ ጡረታን ጽንኲር ኲነታት እቲ ስራሕን እዩ ክብል፥ ሮብ ፍሎሪ ካብ ኣገልግሎት ህዝባዊ
ሽቕለት ሽወደን ይገልጽ። ኣብ ሽወደን ዓመታዊ 90 ሰባት በዚ ፍሉይ ሞያ ዝስልጥኑ እኳ እንተኾኑ፡ እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ
ብምኽንያት ነዊሕ ሰዓታት ስራሕን ካልእን ምኽንያታት ናብ ካልእ ሞያ ከም ዝዋፈሩ ፍሎሪስ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብምኽንያት
እዚ ክስተት “ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ሽወደን” ኣብ ከምኒ ስፔይንን ኢጣልያን ገለ ብሕክምና እንስሳ ዝሰልጠኑ 350 ሰባት
ናብ ስራሕ ከዋፍር እዩ።
እዞም ሰባት ብሞዮኦም ስራሕ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፥ ኣብ ዓዶም ኣብ ፋስት ፉድን ኣብያተ መግቢን ክሰርሑ ምህላዎም እቲ
ትካል ይገልጽ።