ሽወደን ኣብ ዓለም ዝበለጸ “ጽብቕ ስም” ዘለዋ ሃገር ብምባል ንኻልኣይ ግዚኣ ትስየም። ትካል ኣህጒራዊ ዝና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሽወደን ግዝኣተ ሕጊ፥ ተሓታትነትን ጸጥታን ዝነገሰላ ህዝባ ጽቡቕ መነባብሮ ዘሕልፈላን ኣጋይሽ እትቕበልን ኣዝያ ምዕርግቲ ሃገር እያ ኢሉ። “ዝና ሃገራት ንበጻሕቲን ኣውፈርቲን ብሓፈሻ ድማ መንብሮኦም ዝመርጹን ሰባት ዝጸሉ ኣገዳሲ ረቛሑ እዩ” ክትብል ዳይረክተር ጀነራል ትካል ሽወደን ማድሊን ሲዮስታድ ትገልጽ።
“ሰደድና ንምልማዕን ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ሰባት ናብ ሽወደን ንምስሓብን ጸጥታኣን ተኣማንነታን ውሑስ ዝኾበት ሃገር ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ” ድማ ኢላ። ነዚ ተርታ ሃገራት ዘውጽአ ትካል ኣብ ጂ 7 (G7) ሩስያን ን 58 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ቃለመጠይቕ ምግባሩ እዩ ነዚ ደረጃታት ሰሪዕዎ ዘሎ።
ብመሰረት እቲ ተርታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10 እዘን ዝስዕባ እየን።
1 ሽወደን
2 ስዊትዘርላንድ
3 ኖርዌይ
4 ፊንላንድ
5 ኒውዚላንድ
6 ካናዳ
7 ዴንማርክ
8 ኦስትርያ
9 ኔዘርላንድስ
10 ኣየርላንድ እየን።፡