ድሕሪ ዝመጽእ ሰነ ሽወደን ኣብ ኣህጒራዊ ምዕቃብ ሰላም ዝህልዋ ተሳትፎ ክሽምረር እዩ ተባሂሉ። በዚ ድማ ህላወ ሽወደን ናብ
25 ወተሃደራት ጥራይ ክውሰን እዩ። እዚ’ውን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ንዝኽሰት ዓብዪ ለውጢታት ንምክኻል ተባሂሉ ዝቕመጥ እዩ
ክኸውን። ሽወደን ካብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዛ ብኣማኢት ገለ እዋን ከኣ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ወተሃደራት ኣብ ኣህጒራዊ
ምዕቃብ ሰላም ኣዋፊራ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ምጒዳል ኣዝዩ ርኡይ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
"እዚ ውሳነ ውጽኢት ናይቲ እንኽተሎ ዘሎና ኣንፈት ምክልኻልን ድሕነትን፡ ከምኡ’ውን ህሉው ኲነታት ዓለምና ዝደረኾ እዩ”
ክብል ሓላፊ ስታፍ ምክልኻል “ሰራዊት ሽወደን” ሌ/ጀ ሚካልኤ ክሌሰን ኣመልኪቱ።