ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ኢድ ሽወደን ዘለዉ ኣርባዕተ ኣብ ነሓሳዊ ክፍለ ዘመን እተሰርሑ ጥንታውያን ብነሓስ ዝተስርሑ ፋሳት ንኸተረክብ ብቱርኪ ጻዊዒት ከምዝቐረበላ ተፈሊጡ።
ቱርኪ፡ ኣብ ነሓሳዊ ክፍለ ዘመን ኣብ መሬት ቱርኪ ዝነበረ ጥንታዊ ቅርስታት ይመለሰለይ ክትብል ናብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ ዘላ። እዞም ቅርስታት ኣብ 1910 ናብ ሽወደን ከም እተሸጡ ይእመን። ኣብ 1906፡ ሃገራዊ ቅርስታት ንወጻእ ንኸይሽየጡ ዝኽልክል ሕግታት ቱርኪ ድሕሪ ምውጸኦም ዝተሸጡ ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ሃገራዊ ቅርስታት ምሻጥ፡ ሕጋዊ ኣይኮነን ነይሩ ክብል ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ቱርኪ ካልኣይ ሰክሬታሪ ዝኾነ ሑሴን ኦዘን ገሊጹ። እዚ ፍጻሜ፡ ንሽወደን ዘውቅሳ ዘይኮነ፡ ነቲ ቅርስታት ሃገር ዝሸጠ ነጋዳይ ዘሕትት እዩ ክብል ገሊጹ።
ታሪኻዊ ቤተ መዘክር ሽወደን ነዚ ጉዳይ የጽንዖ ምህላዉ ዳይረክተር ጉጅለ ስነ-ጥንቲ’ቲ ቤተ መዘክር ኤሊዛቤት ሬንየር ድሕሪ ምግላጽ፡ እዞም ጥንታውያን ቅርስታት ብኸመይ ኣገባብ ታሪኻዊ ቤተ መዘክር ከም ዝኣተዉን ንሕጋውነት ናይቲ ጠለብ ድማ ንርእዮ ኣለና ክትብል ሓቢራ።
እዚ ብቱርኪ ዝቐረበ ሕቶ፡ ኣካል ናይቲ እታ ሃገር ቅርሲታት ንምምላስ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪታት ምዃኑ ይፍለጥ።
ቱርኪ ኣብ ዝሓለፋ 15 ዓመታት 4000 ጥንታውያን ቅርስታት ምምላሳ ዝፍለጥ እዩ። እኹል ሓበሬታታት እንተ ተረኺቡ ድማ ዝተረፉ ቅርስታት ክትመልስ ድልዎቲ ምዃና ሑሴን ኦዘን ገሊጹ።