ሽወደን ኣብ ምትግባር ማዕርነት ጾታ ራብዓይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ዒራቕን የመንን ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምርካበን ተገሊጹ። ሽወደን ዓሚ ዝነበረቶ መበል ሳልሳይ ደርጃ ብሓደ ብምውራድ እያ ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ተቐሚጣ ዘላ። ነዚ ተርታ ዘዳለወ ዳቮስ ኤኮኖሚክ ፎረም ንኣይስላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዕዋ’ሎ።
ስዒበን ድማ ኖርዌይን ፊንላንድን ብቕደመ ተኸተል ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ። እዚ ተርታ ዘቐመጦም ረቛሒታት ኣርባዕተ ኰይኖም ቊጠባዊ ተሳትፎ፥ ትምህርቲ፥ ጥዕናን ፖለቲካዊ ስልጣንን ከም ዝርእዩ ተፈሊጡ። ካብ ሃገራት ኣዕራብ ኢማራት ዝለዓለ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ ኩዌይትን ቱኒስያን ተኸቲለናኣ ኣለዋ። ኣብዚ ተርታ ሶርያ፥ ዒራቕን የመንን ዝተሓተ ተርታ ሒዘን ይርከባ።