መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ መጽእ ዘሎ ዓመት 2020 ኣስታት 175 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ብመንገዲ ትካል ግብረ ሰናይ ሲዳ (SIDA) ን ድኻታት ሃገራት ዝወሃብ ሐገዝ ትስልዕ። እዚ መጠን ባጀት ሎሚ ሮቡዕ ንመጽዳቕ ናብ ፓርላመንት ክቀርብ ሙዃኑ ይሕበር።
ናይ ዓለም ለከ ናይ ረዲኤት ሚንስተር ፔተር ኤሪክሰን ን ሽወደናዊ ወኪል ዜና TT ኣብዚ ሓበሮ ገለ ክፋል እዚ ገንዘብ ብመንገዲ እዘን ማሕበራት ን ምቅላስ ብልሽውና ከምዝውዕል ገሊጹ። ነዚ ዝሓበረ ካብ ዝቀረበሉ ክስታት ማለት ዝሓለፈ ዓመት ሽወደን ብመልክዕ ረዲኤት ዝለገስቶ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝረከባ ሃገራት ድሕሪ ኣብ ብልሽውና ምውዓሉ እዩ።
ሽወደን ንድኻታት ሃገራት ዓመታዊ ሚልዮናት ገንዘብ ብ መንገዲ ሽወደናዊ ግብረ ሰናይ ማሕበር SIDA ትሕግዝ ኮይና ኣብ ካልእ መዓላ ከይውዕል ግን ጥንቓቐ ዝመልኦ ምቑጻጻር ክህልዎ ብዙሓት ለበውኦም የተሓላልፉ።