ሽወደን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ክትከውን ብምድጋፍ ባይቶ ኣድሚጹ። 269 ኣባላት ባይቶ ነዚ
ብምድጋፍ “እወ” ከድምጹ እንከለዉ፡ 37 ተቓዊሞም ኣለዉ። 43 ኣባላት ባይቶ ግና ኣብቲ ምድማጽ ኣይተረኽቡን። ኣብዚ
ጒዳይ፡ ኣባላት ተቓወምቲ ዝኾኑ ጸጋማይን ሓምላይን ሰልፊ ጥራይ እዮም ናይ “ኣይፋል” ድምጾም ሂቦም ዘለዉ። ሰልፊታት
ሞደራትና፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ሊበራልን ማእከላይን ከኣ “እወ” ክብላ ደገፈን ገለጸን ኣለዋ።
ቅድሚቲ ምድማጽ ንውሕ ዝበለ ክትዓት ከም እተኻየደ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ውሳነ ነቲ “ዘይሻራነት” ዝመለለዪኡን
ንኣማኢት ዓመታት ዝቐጸለን ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ምቕያሩ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።
ይዂንምበር ኲሉን 30 ኣባላት ኔቶ ን ምጽንባር ሽወደን ክሳብ ዘጽድቓ እዚ ክሳለጥ ከም ዘይክእል ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ
ሽወደን ቱርክን ሃንጋሪን ብባይቶአን ኣቢለን ድጋፈን ክህባኣ ትጽበ ምህላዋ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።