ላዕለዎት ስብመዚ ሽወደን ቱርክን ኔቶን፥ ብዛዕባ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምዝርራብ፥ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኣንካራ
ተራኺቦም። ሽወደን ቅድሚ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ ኔቶ–ቪኒሊስ– ኣባል ኔቶ ክትከውን
ትጽቢት ክትገብር ከም ዘይብላ፥ ፕረሲደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን፥ ቅድሚ ምጅማር ኣኼባ ገሊጹ’ሎ። ንሱ፥ ን መዓከናት
ዜና ቱርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ “ሽወደን ዘድሊ ጽገናታት ክሳብ ዘይገበረት፥ ኔቶ ንኣባልነታ ክንቅበል ከገድደና ኣይክእልን እዩ።
ባንዴራ ሰልፊ ሰራሕተኛታ ኩርድ–PKK–ሕጂ’ውን ኣብ ሽወደን ከንበልብል ይረአ’ሎ፥ ሽወደን ኣብ ልዕሊ እዚ ግብረሽበራዊ ሰልፊ
እገዳ ክትገብር ኣለዋ” ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ቱርክ፥ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ቅድሚ ምቕባላ፥ ምስ ኣመሪካ ብዛዕባ
ነፈርቲ ኲናት F-16 ውዕል ክትገብር ከም እትደሊ፥ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ድሕሪቲ ኣኼባ፡ ዋና ተዛታዪ ሽወደን ምስ ቱርክ ኦስካር ስተንስትሮም ን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ዋዕላ፥ ልዝቦም ኣብ ጒዳይ PKK
ዘተኰረ ምንባሩን ኣመልኪቱ። እዚ ምርኻብ ነዚ ዘተ ብሓደ ደረጃ ዘሰጐመ እኳ እንተኾነ፥ “ነቲ ሸቶ ገና ኣይቀረብናዮን ኣሎና”
ክብል ገሊጹ’ሎ።