ሩስያ ንተፈንጨልቲ ዞባታት ዩክሬይን ዝኾና ዶነስክን ሉሃንስክን ከም ናጻ ሃገራት ምፍላጣ ቀዳማይቲ ሚንስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሰን ምስ ካልኦት ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ብምዃን ብትሪ ኮኒና።
እዚ ብስም ምዕቃብ ሰላም ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ሩስያ ትርጒም ኣልቦ እዩ ዝበለት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሩስያ ናይዚ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምሉእ ሓላፍነት ከም እትወስድ ኣጠንቂቓ።
ሩስያ ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እገዳ ክግበረላ ከም ዝኽእልን ነዚ ድማ ብሃንቀውታ ከም እትጽበዮን ማግዳሌና ወሲኻ ገሊጽ’ላ። ንሳ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ተግባራት ሩስያ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ኢላ’ላ። እዚ ርኡይ ምጥሓስ ኣህጒራዊ ሕጊ ዝኾነ ተጻብኦ ሩስያ ነታ ሃገር ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ ይኽእል ጥራይ ዘይኮነ ናብ ተኸታተልቲ እገዳታት ከም ዘቃልዓ እታ ሚኒስተር ሓቢራ። ብሰንኪ ወራር ሩስያ ዩክሬናውያን እንድሕሪ ናብ ስደት ተቓሊዖም ሽወደን ከም ተቐባሊት ሓተትቲ ዕቚባ ክትከውን ዘይኮነ ሕጂ ዘድልዮም ሓገዛት ምቕራብ ተመራጺ ፖሊሲ ጌራ እያ እትርእዮ። ኣብ መወዳእታ ማግዳሊና ሽወደን ንዩክሬይን ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ክትገብር ምጽንሓን ነዚ እውን ኣበርቲዓ ክትቅጽለሉን እያ ክትብል ገሊጻ’ላ።