ብዛዕባ ኣፍረይቲ እዚ ክታብት ዝምልከት ሽወደን እትርከበን ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ክዛተያ እየን።
መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዘተ ክሳተፍ ዝወሰነ ብሰኑይ እዩ።
እዚ ናይ ኮሮና ክታበት ክርከብ እንተ ክኢሉ፡ ሽወደን ናብ ንቡር ህይወት ንኽትምለስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊና ሃሊንግረን ተዛሪባ። ኮሚሽን ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣማዕበልቲ መድሃኒት ናይ ዕድጊ ውዕላት ከም ዝኸተመን ናብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ምክፍፋል እውን ከም ዝነጥፍን ድማ ተገሊጹ። እዘን ኣብዚ ዘተ ዝካፈላ ሃገራት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ሆላንድ፡ ፖላንድ፡ ሽወደንን ስፔይንን እየን።