ናይ ኮሮና ናይ ክታበት መድሃኒት ምስ ማዕበለ፡ ንሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክዕደል ስምምዕ ከምተኸተመ ዝፍለጥ እዩ። ኖርወይን ኣይስላንድን ግን ካብተን ኣብቲ ስምምዕ ዘይተጸንበራ ሃገራት እየን።
ሽወደን፡ ካብቲ መድሃኒት እጃማ ምስ ወሰደት፡ ንጎረቤት ሃገር፡ ኖርወይ፡ ካብቲ መድሃኒት ብምሻት ከተካፍላ ምዃና ተመባጺዓ ኣላ ክብል ናይ ኖርወይ ጋዜጣ NRK ሓቢሩ።
ከም በዓል ኖርወይን ኣይስላንድን ዝኣመሰላ ኣባላት ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ኣከባቢ (EEA) ዝኾና ሃገራት ካብቲ መድሃኒት ንኽካፈላ፡ ኩለን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት (EU) ካብ እጃመን 3% ክህባ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።
ሽወደን፡ ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ክታበት መድሃኒት ክትሕግዝ እያ። ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝግበር ርክብ ግን ኣብ መስርሕ ምህላዉ ሚኒስተር ጥዕና ኖርወይ፡ ቤነት ሆይየ፡ ን NRK ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።
እቲ ንጥፈት ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ስምምዕ ድማ ብንጽል ተራእዩ፡ ንዘራረበሉ ኣለና። ከምተን ካልኦት ሃገራት ድማ መድሃኒት ንኽንረክብ ውሕስነት ኣለና ክብል ሆይየ ዘረብኡ ዛዚሙ።