ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዙፍ ዕዳ ማዕከን መንግስቲ ሽወደን ማለት ክሮኖፎግደን ( kronofogden) 35 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝበጽሐ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብምኽንያት ገለ ዘይከፈላ ኲባንያታትን ውልቀሰባትን እዩ ተባሂሉ’ሎ። “እዚ ኣዝዩ ዓብዪ ኣሃዝ እዩ፥ ይዂንምበር መንግስቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝመጠኑ ግብሪ እዩ ዝእክብ ዘሎ” ክብል ተንታኒ ምእካብ ዕዳ ዮሃን ክራዝ ይገልጽ።
ንሱ መጠን ዕዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብሲሶ ምውሳኹ እዚ ግና ምስቲ መንግስቲ ዝእክቦ መጠን ቀረጽ ( ማለት 2 ትሪልዮን ክሮነር) እንክወዳደር ንእሽቶ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ። ሰለስተ ካብቶም ቀረጽ ክሃድሙ ዝጸንሑ ኲባንያታት ጥራይ ክሳብ 3 ቢልዮን ክሮነር ዝበጽሕ ዕዳ ከም ዘለዎም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።