ፋርማሲታት ሽወደን ኣብ መሸጣ ኣፋውስ ጸረ-ምትካኽ ወሰኽ ምርኣዮም ተገሊጹ። ካብ ሓምለ 1 ዝጀመረ ምሕላፍ ሓድሽ ሕጊ ንደሓር ፋርማሲታት ሽወደን ኣብ መሸጣ ኣፋውስ ጸረ-ምትካኽ ወሰኽ ምርኣዮም ተገሊጹ። ብዙሓት ሰባት ምትካኽ ንምቊራጽ ሓገዝ ይሓቱ ምህላዎም ከኣ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን TT ሓቢሩ’ሎ።
ተመራማሪት ትምባኾ ቶፍ ሶልቤሪ እዚ ናይ ምትካኽ እገዳ ቅጽበታዊ ውጽኢት ምምዝጋቡ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ምትካኽ ኣብ ኣብያተ መግቢ መጸበዪ ኣውቶቡስን ባቡርን ኣብ ኣፍደገ ህንጻታትን ምትካኽ ከም ዝኽልክል ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕጊ ንብዙሓት ሰባት ምትካኽ ንኽገድፉ ጽቡቕ ድርኺት ኮይንዎም ከም ዘሎን መሸጣ ኣፋውስ ምቊራጽ ምትካኽ ዓሚሩ ምህላዉን ከኣ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።