ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምዊ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ (Global Social Mobility Index)፡ ሽወደን ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ከም እትርከብ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተጋብአ ቁጠባዊ ዋዕላ ዳፎስ ተሓቢሩ።ا. ትርጉም ናይ’ዚ ሓባሪ፡ ነቲ ማሕበራውን ቁጠባዊ ምዕባለን ናይ ሓንቲ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ሂወት ውልቀ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ ብመንገዲ ናይ ስራሕ ዕድላትን ማዕርነትን ኣታዊታትን ዘንጸባርቕ እዩ።
ቀንዲ መምዘኒታት ናይዚ ሓባሪ ድማ ኣርባዕተ እዮም። ንሳቶም ድማ ምዑሩይ ደሞዝ፡ ናይ ስራሕ ሃዋሁ፡ ማሕበራዊ ውሕስነትን ምሉእ ዕድሜኻ ዕድላት ትምህርቲ ምርካብን እዮም። ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ፡ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ነዚ ናይ ሓባሪ ደረጃታት መሪሐንኦ ይርከባ። ደኒማርክ ብ85.2 ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ኖርወይ ብ83.6 ፡ ፊንላንድ ብ83.6 ፡ ሽወደን ብ 83.5 ፡ ኣይስላንድ ብ82.7 ፡ ሆላንድ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣውስትርያ፡ በልጅምን ሎክሰምቦርግን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ብተኸታታሊ ተሰሪዐን ይርከባ።