መንግስቲ ሽወደን ናይ ኲሎም ዓይነታት ህዝባዊ መጓዓዝያ መሸጣ ቲኬት ብዛዕባ ዝወሃሃደሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ኣከባቢን ክሊማን ኢዛቤል ሎቪን ህሉው ኣገባብ መሸጣ ቲኬት ህዝባዊ መጓዓዝያ እቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ኣሸጋሪ ጌርዎ ምህላዉ ገሊጻ’ላ። ስለዚ ድማ ንዂሎም ኣዞም ህዝባዎ መጓዓዝያታት ብምውሃድ ንከባቢያዊ ጥዕና ዝምችእ ኣገባብ ምህናጽ ከድልየና እዩ” ኢላ።
ምኒስተር ትሕተ ቕርጺ ቶማስ ኤነሮዝ ብወገኑ “ብህዝባዊ መጓዓዝያ ዝግበር ጉዕዞ ከባቢ ንምዕቃብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣማራጺ እዩ፡ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ከም ዝመርጽዎ እውን ግሁድ እዩ” ክብል ኣብዚ ጒዳይ ዘለዎ ርእይቶ ገሊጹ’ሎ። እዚ ጒጅለ መጽናዕቱ ክሳብ ሚያዝያ 30 2020 ክውድእ ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ።