ብመሰረት ህልው ኣብ ሽወደን ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ፡ ንህጹጽ እዋን ዘገልግል ሕጊ ብዘይመስፋሩን ብዘምህላውን ምሉእ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ኣይትኽእልን፡ ይብል ክኢላ ቅዋማዊ ሕጊ ቶርሞድ ኦተር ጆንሰን ካብ ዩኒቨርስቲ ዮተበሪ። ስለዚ ይብል ጆንሰን ሽወደን ከም በዓል ብሪጣንያን ፈረንሳን ስፓኛን ካልኦት ሃገራት ህዝባዊ ዕጽዋ ክትእውጅ ኣይትኽእልን። በዚ ህልው ኩነታት ግን ከምዚ ዝበለ ንኮሮና ዚምልከት ሕጊ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ንምትእትታው ተኽእሎ ከም ዘሎ ይገልጽ። እንተኮነ ግን ናይ ሽወደን ስርዓት ሕጊ ብቐሊሉ ከምዚ ጌርካ ምቕያር ግን ቀሊል ከምዘይከውንን ጸገማት ኪፈጥር ይኽእል እዩ፡ ይብል ንሱ። እዚ ኢኪላ ብምዋሳኽ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ነቲ ኣብ ናይ ሽወደን ስርዓተ ሕግን ቅዋማዊ ሕግን ዘሎ ድኽመታት የርእይ ብምህላው የፍርሃኒን ንመጻኢ ሽወደን ኣብ ቑዋማ ዘይግመቱ ቡዙሕ ዓይነት ሕግታት ዝተረፋ ከምዘሎ ዘርእይ ንጹር ስእሊ እዩ ይብል። ከምዚፈልጥ ሽወደን ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ን ህጹጽ እዋን ዝድንግግ ብንጹር ዝሰፈረ ሕጊ ከምዘይላ ይፍለጥ።