መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ክታበት ኖቫቫክስ፡ ናይ ቅድመ ዕድጊ ስምምዕ ከምዝፈረመ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ክታበት ኖቫቫክስ፡ 89% ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ ፕሮቲን መሰረት ዝገበረ ክታበት እዩ። ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ነዚ ክታበት ተፈላጥነት ምስ ሃቦ፡ ሽወደን፡ ካብቲ ኩባንያ፡ 2.2 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትዕድግ መደብ ከምዘለዋ ገሊጻ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ካብ ኩባንያ ኖቫቫክስ፡ ኣፍልጦ ምስ ሃበሉ፡ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክዕድግ ምዃኑ ገሊጹ። ምስቲ ዝገበሮ ስምምዕ ሓዊስካ፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ካብ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ክታበት፡ 4.6 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣውሒሱ ከምዘሎ ይፍለጥ።