እዚ እገዳ ካብ መጋቢት 19 ጀሚሩ ዝጸንዐ ኮይኑ ክሳብ 30 ሰነ ክጸንሕ ተባሂሉ ኣሎ። እንተኾነ ግና እዚ ሕጊ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት (እንተላይ ብሪጣንያ፥ ስዊትዘርላንድ፥ ኖርዌይ ኣይስላንድን ሌችተንስታይንን)ንዝመጹ ዜጋታት ኣይምልከትን እዩ። ህጹጽ ጒዳይ ፍቓድ መንበሪን ዘለዎም ኰይኖም ናብ ሽወደን ንዝምለሱ እውን ኣይምልከትን እዩ። ዜጋታት ሽወደን ብቐንዱ ካብዚ ሕጊ ናጻ እዮም።