መንግስቲ ሽወደን፡ ብሰንኪ ኣብ ሶርያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንዘስዓቦ ስምብራት ንምቅላል ዝውዕል ናይ 900 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ክህብ ምዃኑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣና ሊንዲ፡ ሓቢራ።
ኣብ ሶርያ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስሕሓብ 10 ዓመቱ ሒዙ ኣሎ። እዚ ድማ ብድምር፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ንኽካየድ ዝወሰደሉ ግዜ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሕ ሂወት ሃሊቑን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ከቢድ ዝኾነ ኩነታት መነባብሮ ከምዝወደቑን ይፍለጥ። ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ሶርያን ጎረባብቲ ሃገራትን ብጣዕሚ ሕማቕ ከምዘሎ እታ ሚኒስተር ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጻታ ገሊጻ።
ሶርያውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ሃገረን መጻኢ ሂወት ኣብ ምውሳን ክሳተፋ ድልየትን ዓቕምን ኣለወን። ንሳተን፡ እቲ እንኮ ሰላም ክስፍን ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ መፍትሒ ምንዳይ እዩ ይብላ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ፡ ተወሳኺ ሓይሊ እዩ ክትብል ሊንዲ ገሊጻ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስተር ሊንዲ ምስ ሶርያውያን ደቂ ኣንስትዮ ብመንገዲ ቪድዮ ኣኼባ ኣካይዳ ከምዝነበረት ይዝከር። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሓፈሻዊ ናይ ሰላም ኣረኣእያን መሰላትን ክረኽባሉ ዝኽእላ ብሩህ መጻኢ ኣብ ምምስራት ክሳተፋ ምዃነን ሓቢረን ነይረን። እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደ እዋን፡ ዘሕዝንን ተስፋ ዝህብን ምዃኑ ድማ ሊንዲ ገሊጻ።