ኤጀንሲ “ህዝባዊ ሓደጋታት ሽወደን”፡ 300 ተወሰኽቲ ግዜያዊ መጽለሊ (ቴንዳ) ናብቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ተሃስዩ ዝሎ
ከባቢታት ቱርክ ልኢኹ። እዚ ቴንዳታት ስድራቤት ምሉእ ዝሕዝ ኮይኑ ብ ውድብ ረድኤት “ላየንስ” እዮም ተዓዲሎም ዘለዉ።
ንመጓዓዝያ እዚ ረድኤት ዘወሃሃደ ግና እቲ ኤጀንሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣስታት 26 ሚልዮን ህዝቢ በዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እተጸልዉ–ውድብ ጥዕና ዓለም–WHO–ገሊጹ’ሎ።