ካብ 1989 ንደሓር፥ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ መሬት ሽወደን ክካየድ እዩ ። ኣብዚ ልምምድ 26 ሽሕ ወተሃደራት
ሽወደንን ካልኦት 14 ሃገራትን ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ናይ ሎም ሰሙን ልምምድ ኮነ ኢሎም ዝተዳለዉ ናይ “ሳይበር
መጥቃዕቲታት”፥ ኣብ ቀንዲ ማሕበራዊ ስርሓት ሽርሒ ከም እተኻየደ ብምሳሳል፡ ካብ ሚያዝያ 24 ከኣ ኣብ ልዕሊ ሽወደን
ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ ተጌሩ ብምሕሳብ ግብረ-መልሳዊ ምንቅስቓስ ክገብር እዩ። ዕላማ እዚ ልምምድ፥ ኣብ
እዋን ወተሃደራዊ ስግኣታት ዝህሉ ቁመናን ዓቕሚን ምክልኻል ሽወደን ንምፍታን እዩ ክብል፥ መራሒ እዚ ልምምድ ብርጋዴር
ጀነራል ስቴፋን ኣንደርሾን ገሊጹ።
"ብዓቐኑን ስፍሓቱን ነዚ ናይ ሕጂ ዝዳረግ ልምምድ ኣብ ዝሓለፋ 30 ዓመታት ኣየካየድናን። እዚ ልምምድ፥ ኣብ መላእ ሃገር
ዝካየድ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ኣተኲሮ ክንገብር ኢና” ክብል ጀነራል ስቴፋን ኣንደርሾን ወሲኹ ን ሬድዮ ሽወደን
ሓቢሩ።
እዚ ልምምድ፡ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 24 ሚያዝያ ኣትሒዙ ክሳብ ግንቦት 11 ክጸንሕ እዩ። ኣብዚ ልምምድ ሰራዊት ኣመሪካ፡
ኖርወይ፡ ብሪጣንያ፡ ፊንላንድን ካልኦትን ክሳተፋ እየን።