ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ምክልኻል ዕጸ-ፋርስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ብተዛማዲ ዝበዝሐ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤስቶንያ ዝበዝሑ ግዳያት ከም ዝነበርዋ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ካብ ሓደ ሚልዮን ሰባት፡ 81 ከም ዝሞቱ እዚ ድማ ምስ ማእከላይ ገምጋም ግዳያት ሕብረት ኣውሮፓ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።
መጠነ ሞት ስለምንታይ ክንድዚ ክዛይድ ክኢሉ ንዝብል ሕቶ ቀሊል መልሲ ከም ዘይርከቦ ኣብ ኣሃዱ ምክልኻል ዕጸ-ፋርስ፡ ተመራማሪት ዝኾነት ሚሚ ኤሪክሰን ሓቢራ።
ኣብ ሽወደን፡ ንግዳያት ዕጸ-ፋርስ ዝግበር ሓገዝ ፍወሳ፡ እቲ ቀንዲ ካብ ሞት ንምድሓን ዝግበር ኣገባብ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ተጌርሉ ከም ዘይጸንሐን ብፍላይ ድማ ብመድሃኒት ናሎክሶ (Naloxone) ዝግበር ፍወሳ፡ ክትብል፡ ኤሪክሰን፡ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሃገረ ኢስቶንያ፡ እታ ዝበዝሑ ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዝሞቱ ሰባት ዝመዝገበት ምንባራ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምዝርጋሕ መድሃኒት ናሎክሶን ዓቢ ወፍሪ ብምክያዳ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ከተውሕድ ክኢላ።
ኣብ ሽወደን፡ ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዘጋጥም መጠነ ሞት ዝለዓለ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ተርእዮ ግና ኣብ ዓመታት 2018/19 እንሓሸ ምምጽኡን እዚ ድማ ብምኽንያት ምጥፋእ ፋንታሊን ዝተባህለ መድሃኒት ምዃኑ ኣመልኪታ። ኣብዚ መዳይ ብፍላይ ኤስቶንያ ከም ዝተዓወተት ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሽወደን ብፍላይ እቶም “ክፍሊ መርፍእ” እናተባህለ ዝፍለጥ ዕጸ-ፋርስ፡ ብስሪንጋ ዝውሰደሎም ኣገባባት ነዚ ተርእዮ ምግዳዶም ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጸ ጸብጻብ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ዕጸ-ፋርስ ሽወደን፡ ክርክር ምልዓሉ ይፍለጥ።
ሕጊ ሽወደን ብዛዕባዚ ዳግመ ግምት ክገብር ከም ዝግባእ እውን ጻውዒት ቀሪቡ።