ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ዕዳጋታት ስራሕ ዓቢ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ርዱእ እዩ። ከምሳዕቤኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንዝነበረ ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ንኸቛርጹ ዝሕበሮም ሰባት ካብ 3000 ናብ 36800 ከምዝዓረገ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ንኽደልዩ ዝተመዝገቡ ሰባት ድማ ብኡ መንጽር ክዛይድ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ከምዝተመዝገበ ድማ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሮም።
ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ኣስታት 54500 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ሓቢሮም። ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ እቲ ቁጽሪ ብ89% ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ይሕብሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ስራሕ ንምድላይ ዝተመዝገቡ ሰባት ብ20% ብምውሳኽ ካብ 180400 ናብ 210000 ክብ ኢሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይውስኹ። እዚ ኩነታት እንተድኣ ቀጺሉ፡ ክሳብ ክረምቲ ቁጽሪ ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 10% ክብ ክብል ከምዝኽእል ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓላፊት ጨንፈር ምርምር ዝኾነት፡ ኣና ሱንደን፡ ኣብ ገዛጣዊ መግለጺ ሓቢራ።