ክልተ መማህራን፡ ኣብ ማልሞ፡ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝወረደን መጥቃዕቲ [ኻራ] ከም ዝተቐትላ ፖሊስ ገሊጹ።
ሓደ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ተማሃራይ ‘ቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብቕትለት ተጠርጢሩ ተኣሲሩ’ሎ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝገለጻኦ፡ እተን ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከባ ግዳያት ብኻራ እየን ተወጊአን፣ ካልእ ዝዀነ ተተኳሲ ብረት ግን ኣይነበረን።
እዘን ክልተ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ላቲን ማልሞ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ብኦምቡላስ ናብ ሆስፒታል ‘ኳ እንተ ተወስዳ፡ ብሰንኪ ዝወረደን ከቢድ መውጋእቲ ግን ክድሕና ኣይከኣላን።
ፖሊስ፡ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ዜናዊ መግለጺ፡ ጻውዒት ሓደጋ ምስ ተቐበለ፡ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ እንከለው፡ እቲ ቦታ ህዱእ እዩ ነይሩ፣ ነተን ክልተ ግዳያትን እቲ ጥርጡርን ከኣ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ረኺቦምዎም።
‘ኣፍቶንብላደት’ ዝተባህለት ጋዜጣ ሽወደን ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ጥርጡር፡ ካራን ፋስን ሒዙ እዩ ተረኺቡ።
BBC TIGRINJA