ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ነቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክገሹ ዝሓስቡ ዜጋታታ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፡ ካብ ዶብ የመን ክሳብ 50 ኪሎ ሜትር ኣብ ዘሎ መሬት ስዑዲ ዓረብ ንኸይገሹ መኺሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝፈጠሮ ቅልውላው፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ዘይተደልዮ መገሻታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኹን ናብ ካልኦት ሃገራትን ንኸይፍጸሙ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከር። እቲ መምርሒ፡ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ከምዝቕጽል፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣዘኻኺሩ።