ኣብ ከባቢታት ስቪያላንድ፡ ጎትላንድን ደቡባዊ ምብራቕ ኖርላንድን ኣብዚ ወቕቲ ክውህለል ዝግበኦ መጠን ትሕተ-ባይታዊ ማያት ትሕቲ ንቡር ከምዝኾነ ዲኦለጂካዊ ዳህሳስ ሽወደን (SGU) ሓቢሩ።
ኣብ ግዜ ክረምቲ እቲ ዝበዝሐ መጠን ዝናብ ክሃፍፍ ወይ ድማ ብኣትክልቲ ክሰሓብ ስለዝኽእል፡ እቲ ክውህለል ዝግበኦ ትሕተ-ባይታዊ ማያት ውሑድ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኣብ ዝቕጽል እዋርሕ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወነንቲ ዒላታት ንመጠን ማይ ናይተን ዒላታት ክከታተሉ ይግበኦም። መጠን ትሕተ-ባይታዊ ማያት ንኽዛይዱ፡ ካብ ንቡር ዝኾነ ንላዕሊ መጠን ዝናብ ከድልየና እዩ ክብል SGU ሓቢሩ።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኖርላንድ ግን ምምካኽ ናይቲ ኣብቲ ቦታ ተኾሚሩ ዝጸነሐ በረድ ንመጠን ትሕተ-ባይታዊ ማያት ኣብ ምዝያድ ዓቢ ተራ ከም ተጻወተ SGU ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።