ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ንምርካብ ዘኽእላ ሓድሽ ውዕል ከምዝፈረመት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም ንSVT ሓቢሩ።
ስም እዛ ኩባንያ ዘይጠቐሰ ቤሪስትሮም፡ ሽወደን ምስ ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ዝኾነት ውዕል ከምዝፈረመትን ኣብ ዝቕጽል እዋን ድማ ምስ ዝተፈላለያ ተወሰኽቲ ኩባንያታት ውዕል ክትፍርም ምዃና ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ መድሃኒት ኮሮና እዚ እዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበት ስለዘየለ፡ ሽወደን፡ ዝተፈላለየ መድሃኒት ንምርካብ ምስ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ውዕል ትፍርም ምህላዋ ቤሪስትሮም ሓቢሩ።
ክታበት ኮሮና ዝኸውን መድሃኒት፡ ኣብ መጀምርያ ናይ ዝቕጽል ዓመት ናብ ሽወደን ክኣቱ ከም ዝኽእል ሃገራዊ ኣዋሃሃዲ ክታበት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ሓደ እዋን ንኹሉ ክባጻሕ ስለዘይክእል፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ዝኾነ ሊና ሃሊንግሪን፡ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰ፡ ሰራሕተኛታት ኣሃዱ ጥዕናን ሰራሕተኛታት እንዳ መናበይ ዓበይትንን ከም ቀዳምነት ሰሪዓቶም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሽወደን፡ ምስ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ኣስታት 6 ሚልዮን መድሃኒት ክታበት ኮሮና ንምርካብ ዘኽእላ ውዕል ከምተፈራረመት ይዝከር።