ካብ ዓሰርተ ሽወደናውያን እቶም ኣርባዕተ ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቶም መዓልታዊ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ ምህላዎም ሓደ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ሽወደን ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ ሰባት ኣንጊሆም ክትንስኡን ስሩዕ ፕሮግራም ክህልዎምን ጌርዎም ካብ ዝነበረ ስራሕ ምዕራፎም ናብ ከምኡ ዝመሰለ ዝንባለ ከም ዘቃልዖም ተመልኪቱ’ሎ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ እቲ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ኣብ ክሊ ዕድመ 35 ክሳብ 54 ዝተኻየደ ኮይኑ እቶም ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ካብቶም መንእሰያት ብዝበለጸ ነዚ ኣመል ዝተቓልዑ ኣዮም ትባሂሉ’ሎ። ኣብቲ ዳህሳስ ሰባት መዓልታዊ ካብ ምስታይ ክቚጠቡን ኣሳትያኦም ብዕቅን ክኸውንን ለበዋ ቀሪቡ’ሎ።