ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክስተል ኣብ ዱካናት ንመሸጣ ዝቐርብ ክዳውንቲን ብቕዓቱን ዝምርምር ኣገባብ ከተኣታትዉ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣገባብ ብዛዕባ መበቁል ክዳውንቲ ዝርዝር ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ ብስማርት ፎን ንኮድ ክዳውንቲ ዘንብብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዙሓት ሰባት በዚ ኣገባብ ተሃንጥዮም ምህላዎም ተመራማሪት ክሪስቲና ጆንሰን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።
መበቈል ስርሓትን ካልእን ሓበሬታ ክዳውንቲ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ብምዕቋር ብዙሕ ዝርዝራት ንዓማዊል ምቕራብ ይከኣል እዩ። ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ መበቈላውነትን ብቕዓትን ክዳውንቲ ብዙሕ ክትዓትን ተገዳስነትን እናዓበየ ምምጽኡ ይፍለጥ።