ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ዘብቅዖ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ ብሚልዮናት ክሮነር ዝንቀሳቐሱ ኩባንያታት ዝውንኑ ስነጥበበኛታት ብምኽንያት ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ኣሽሓት ክሮነር ብመልክዕ ሓገዝ ምቕባሎም ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ።
ያለ ጆንሶን (Yale Johnson)፡ ድራጊን (Dragin)፡ ቤንጃሚን ኢንግሩሶ (Benjamin Ingruso) ን ሳቢና ዱምባ (Sabina Dumba) ን ዝኣመሰሉ ካብዞም ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ነፍሲ ወከፎም ካብ መንግስቲ 50,000 ክሮነር ዝተቐበሉ ስነጥበበኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ።
ማሕበር ስነጥበበኛታት ሽወደን ካብቲ መንግስቲ ንባህላዊ ንጥፈታት ንምኽሓስ ዝሰለዖ ፍርቂ ቢልዮን ክሮነር እተን 70 ሚልዮን ክሮነር ንሓገዝ ስነጥበበኛታት ከምዝመደቦ ገሊጹ።
መንግስቲ ፍሉይ ተልእኾ እዩ ሂቡና። ኣብ መንጐ ባህላውን ንግዳውን ንጥፈታት ስነጥበብ ብዘይኣፈላላይ ክንሕግዝ ከኣ እዩ ተወሲኑ, ክትብል ሓላፊት በዓልመዚ ስነጥበብ ኣና ሱደርቤክ (Anna Suderbeek) ገሊጻ።፡. ኩሉ ሰብ በዚ ሕማም ብማዕረ ተጸልዩ ብምህላዉ ብማዕረ ሓገዝ ክረክብ ይግብኦ እዩ ” ድማ ኢላ።፡
ብመሰረት ዝቐረበ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ጓል 26 ዓመት ሳቢና ዱምባ ወናኒት 2.4 ሚልዮን ክሮነር ትግመት ኩባንያ ኢያ። ወዲ 47 ዓመት ያለ ጆንሶን ድማ ብ 10 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ሃብቲ ኣለዎ።
ቤንጃሚን ኢንግሩሶ፡ ነቲ ናይ ቅልውላው ካሕሳ ምሕታት ሓሳባት ባዕሉ ዘበገሶ ኣይነበረን። ናይ ቅልውላው ሓገዝ ንኽንሓትት ካብ ብዙሓት ትካላት ምኽሪ ምስ መጻና ዘቕረብናዮ እዩ ኔሩ ክትብል ተሬዛ ሄዲንጎርድ ገሊጻ።