ክልተ ካብ ኩባንያታት ሽወደን ዝኾና Tele2 ን Telenors ንናይ ዓማዊለን ሓበሬታን መረዳእታን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ረብሓ ናይ ሸመተ ኩባንያታት ከምዝወዓለን እዘን ኩባንያታት ድማ ብዘይ ፍቓድ ናብቲ ስርዓተ ዕድጊ ከም ዝኣተዋ ማዕከን ሓበሬታ ሽወደን TT ሓቢሩ። ብመሰረት ተሊኖር ዝተባህለ መርበብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2019 ዝጀመረ ንቡር ዘይኮነ ናይ ፈተሻ ስራሓት ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሓበሬታ ዓማዊል ከምዝተኻየደን ንምግሃስ ሓበሬታ ዓማዊል ኣመልኪቱ ድማ እቲ መርመራ ከም ዝጀመረን እቲ ማዕከን ሓቢሩ።
ኮርፖረሽን መራኸቢታትን ፖስታን ሽወደን (PTS) ብወገኑ ነዚ ዘጋጠመ ጉዳይ ይምርምር ከምዘሎ ማዕከን ሓበሬታ ሽወደን ሓቢሩ። ሕጋዊ ፍቓድ ብዘይብሎም ሰባት፡ ሓበሬታ ዓማዊል ኣብ ዝተፈላለዩ መዓላ ክውዕል እንከሎ ክሳብ ክንደይ ሓደገኝነቱ ዓቢ ምዃኑ ኣብቲ ኮርፖሽን ሓላፊት ዝኾነት ጅዋና ኢክሎንድ ትጥቅስ።