ዓርሞሾሽ ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ መድሃኒት ኣስትራ ዚኒካ፡ 400 ሚልዮን ዝኸውን ጸረ ኮሮና ናይ ክታበት መድሃኒት ንኤውሮፓ ከረክብ ከም ተፈራረመ TT ሓቢሩ።
ኩባንያ መድሃኒት ምስ ሃገራት ጀርመን፡ ፈረንሳይ፡ ጣልያንን ሆላንድን ዝመርሐኦ ኤውሮፓዊ ልፍንቲ ንኽታበት ስምምዕ ከምዝፈረመን ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2020 ክጅምር ምዃኑ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ኩባንያ ምስ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ብምትሕብባር ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝኸውን ክታበት ክማዕብል ከምዝጸንሐ ይዝከር።
ናይ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ክታበት ፍቓድ ምስ ተረኽበ፡ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ንብዙሓት ኤውሮፓውያን ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክታበት ንምርካብ ውሑስ ክኾነሎም እዩ ክብል ሓላፊ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ፓስካል ሶርዮት ሓቢሩ።
እዚ ክታበት ኣድማዕነቱ ጌና ንጹር ከምዘይኮነ ግን ገለ ወገናት ይዛረቡ። ጸረ ኮሮና ቫይረስ ተባሂሎም ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምና ዝካየዱ ዘለዉ ፈተነታት ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘይተረኽቦም ይፍለጥ።
ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ክልተ ቢልዮን ጸረ ኮሮና ዝኾነ ናይ ክታበት መድሃኒት ከፍሪ ምዃኑ እዚ ኩባንያ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ክሳብ ሎሚ ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ስምምዓት ገይሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ምስ ህንዳዊት ኩባንያ ውን ነተን ማእከላይን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዘገልግል ናይ ሓደ ቢልዮን ዝኣክል ጸረ ኮሮና ዝኾነ ናይ ክታበት መድሃኒት ከቕርበላ ከምዝተሰማመዐ ሓቢሩ።