መትከላት ‘ንህዝቢ ፍቑድ ናይ ምዃን ተኽእሎ’ ማለት ብዝተኻእለ መጠን፡ ንጥፈታት ናይ መንግስታዊ ትካላት፣ ናይ ባይቶን ናይ ዞባ ወሰንቲ ኣካላት ናይ መንግስቲን ንህዝቢ ክፉት ክኸውን ምፍቃድ ማለት እዩ።
ኣብዞም ንጥፈታት እዚኦም ድማ ግልጽነት ንምስፋን፡ ህዝቢ ነቶም ክፍትሾም ዝደልዮም መንግስታዊ ሰነዳት ክረኽቦም ተኽእሎን ፍቓድን ዝህብ መሰል ኣብቲ ‘ናጽነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን (Freedom of the Press Act)’ ኣብ ዝብል መስርሕ ካብቶም መሰረታዊያን ሕግታት እቲ ሓደ ኾይኑ ተዓቂቡ ይርከብ።
እዚ ሕጊ’ዚ ነቶም ህዝቢ ዝደልዮም መንግስታዊ ሰነዳት ብቐሊሉ ንክረኽቦም ተኽእሎ ዝህብ ሕጊ እዩ። እቶም ናብቲ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ዝስደዱ ኾኑ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝላኣኹ ከም ደብዳቤታት፣ ውሳኔታትን ሕቶታትን ዝኣመሰሉ ሰነዳት ኩሎም ‘መንግስታዊ ሰነዳት’ ተባሂሎም ይፍለጡ። ከም ሓፈሻዊ ሕጊ እንተድኣ ኾይኑ፡ ኩሎም ኣታዊ ዝኾኑ ሰነዳት፡ በቶም ዝቕበሉዎም ሰብ መዚ ክምዝገቡ ኣለዎም።
ሓጸርቲ ጽሑፋትን ዘይትወድኡ ንድፊታትን ዝኣመሰሉ ሰነዳት፡ ከም ስሩዕ መንግስታዊ ሰነዳት ኣይቁጸሩን እዮም።
ብመንግስታዊ ኣካላት ዝታሓዙ ዓይነት ናይ ሰነዳት ክትፈልጥ ወይ ድማ ክትርእዮም ክፍቀደልካ እንድሕር ደሊኻ፡ ነቲ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ክትውከሶ ይግባእ።
ብተወሳኺ’ውን፡ መትከላት ‘ንህዝቢ ፍቑድ ናይ ምዃን ተኽእሎ’ ማለት ሰብ መዝታት ናይ ማእከላይ መንግስቲ፣ ናይ ዝተፋላለዩ ምሕደራታትን ከባቢያዊ ቤት ምኽሪታትን ርክባት ናይ ምዝርጋሕ ናጽነት ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ዝተወሰኑ ሒደት ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ ሓፋሽ ኣገደስቲ ዝባሃሉ ምስጢራት ኮይኖም ክተርፉ ዝኽእኩ ዝነበሩ ዛዕባታት፡ ኣውጺኦም ክነግሩዎ ተኽእሎ ይህቦም ማለት እዩ። እዚ ክገብሩ ኸለው ድማ፡ ዝኾነ ይኹን መቕጻዕቲ ከይበጽሖምን፡ እቶም ሓለፍቲ ነቲ ምስጢር ዘውጸኦ ሰብ መንነት ከይፈለጡን ንኽገብሩዎ ናጽነት ይህቦም ማለት እዩ።