ሽወደን ኣብ ሰለስተ ጸፍሒታት እያ ትማሓደር፥ ኣብ ሃገራዊ፣ ኣውራጃዊን ዞባዊን ጸፍሒታት። ኣብልዕሊ’ዞኦም ውን ኣውሮጳዊ ናይ ምሕደራ ብርኪ ኣሎ።
ሃገራዊ ጸፍሒ
እቲ ባይቶ፡ ሕጊታት ክእውጅ ስልጣን ዘለዎ ኾይኑ ነቶም ህዝቢታት ብሃገራዊ ብርኪ ይውክሎም። እቲ መንግስቲ በቲ ባይቶ ንዝተኣታተው ሓደሽቲ ሕጊታትን ሕጊ-ተንከፍ ምምሕያሻትን ብምትግባር ነታ ሃገር የማሓድራ። እቲ መንግስቲ በቶም መንግስታዊ ቢሮታትን መንግስታዊ ትካላትን እንዳተሓገዘ’ዩ ነዚ ስርሑ ዝሰርሕ።
ዞባዊ ጸፍሒ
ሽወደን ናብ 21 ግዝኣታት ትምቀል ኮይና ሕድሕድ ግዝኣት ናይባዕሉ ዞባዊ ማእከላይ መንግስቲ በዓል ስልጣንን ቦርድ ናይ ምሕደራዊ ግዝኣትን ኣለዎ። ካልኦት ተወሰኽቲ መንግስታዊ ትካላት’ውን ስርሖም ብኣውራጃዊን ዞባዉን ብርኪ ዝዓዩ ኣለዉ። 20 ዝኾኑ ናይ ግዝኣት ዋዕላታት ዘለዉ ኾይኖም፡ እዚኦም ብህዝቢ ብዝተመርጹ ናይ ፖለቲካ ቤት ምኽሪታት እዮም ዝምርሑ። ናይዚም ቤት ምኽሪታር ዋና ስርሖም ድማ ኣብ ሓለዋ ጥዕና ዘተኮረ እዩ። ኩሎም እዞም ግዝኣታትን ናይዞም ግዝኣታት ቤት ምኽርታትን (እንትርፊ ሓደ ኻብዚኦም) ተመሳሳሊ ጆግራፊያዊ ቦታ እዮም ዝሽፍኑ። እዚ ማለት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ክልቲኦም ብሓባር ኣብ ትሕቲ ኣውራጃዊ ጸፍሒ እዮም ዝማሓደሩ። እዞም ዋዕላታት ናይዞም ግዝኣታት ወይድማ ኣውራጃዊ ቤት ምኽርታት እቶም ብዝለዓለ ብርኪ ገበርቲ-ውሳኔ ዝኾኑ ኣካላት እዮም። ንጥፈታት ናይዞም ግዝኣታዊ ቤት ምኽርታት ‘ዚኦም በቲ ዞባዊ መንግስታዊ መስርሕ እዮም ዝማሓደሩ። እዚ ማለት ግና ተኽእሎ ናይምውሳን ናጽነት ከምዘለዎ እዩ፥ ማለት’ውን፡ ኣብ ሕድሕድ ናይ ከተማ ምሕደራ፣ ናይ ግዝኣት ቤት ምኽሪ ወይ ድማ ኣውራጃ ዝግበር ውሳኔ፡ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት እዩ ዝውሰን።
ከባብያዊ ጸፍሒ
ሽወደን ኣስታት 290 ዝኸውን ምሕደራ ናይ ከተማታት ኣለዋ። እዞም ምሕደራታት እዚኦም፡ ብዞባዊ ብርኪ መብዛሕትኦም ናይ ህዝቢ ትካላት ንዝህብዎ ኣገልግሎት ሓላፍነት ወሲዶም ዝሰርሑ ምሕደራታት እዮም። ካብዚኦም እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝባሃሉ ሓላፍነታት፡ ካብ መባእታዊ ክሳብ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ዘለው ቤት ትምህርትታት፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኮምኡ ድማ ምሕብሓብ ኣረጋውያንን ይርከቡዎም። እዞም ምሕደራታት ህዝቢ ብዝመረጾም ፖለቲከኛታት እዮም ዝማሓደሩ። እቶም ዝለዓለ ብርኪ ገበርቲ ውሳኔ ዝኾኑ ኣካላት፡ እቶም ናይ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማታት እዮም። ንጥፈታት ናይዞም ናይ ከተማ ቤት ምኽሪታት ዝማሓደር በቲ ዞባዊ መንግስቲ ብዘውጽኦ መስርሕ ኾይኑ፡ ብብርኪ ኣውራጃዊ ጸፍሒ ግና ድሩት ዋላ እንተኾነ፡ ተኽእሎ ናይ ምውሳን ናጽነት ኣሎ ።
ኣውሮጳዊ ጸፍሒ
ሽወደን በቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ቁጽፅር መስርሕ ትቕየድ ኮይና፡ ኣብቲ ሓደሽቲ ሕግታት ዝቕረጸሉን ዝትግበሩሉን ከይዲ ክትሳተፍ ትኽእል እያ። እቲ መንግስቲ፡ ንመስርሕ ናይ መጻኢ ናይ ሓባር ምድግጋፍ ኣመልኪቱ ንሽወደን ወኪሉ ኣብ ዋዕላታት ኣውሮጳን ሕብረት ኣውሮጳን ይሳተፍ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር’ውን ንምዕባለን ምትሕግጋዝን ፖሊሲ ናይታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብልዕሊ’ዚ ሓፈሻዊ ሓላፍነት ኣለዎ።