ሃገረ ሽወደን፡ ባይቶኣዊ ቅርጺ ዝሓዘ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ ማለት ድማ፡ ስልጣን ናይቲ መንግስቲ ዝፍልፍል ብቐጥታ ካብ ህዝቢ እዩ ማለት’ዩ። ሕግታት ናይታ ሃገር በቲ ባይቶ ኣቢሎም እዮም ዝጸድቁ፥ እቲ ባይቶ 349 ኣባላት ዘለዉዎ ኾይኑ፡ ኣብ 4 ዓመት ሓንሳብ ብዝካየድ ህዝባዊ መረጻ ዝቐውም ባይቶ እዩ። ንመረጻ ስዒቡ፡ እቲ ወሃብ ቃል ናይቲ ባይቶ (ፕረዚደንት ባይቶ) ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓጽዩ የቕርብ። ድሕሪኡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር በቲ ባይቶ ምስ ጸደቐ፡ መንግስቲ ናይ ምቛም ሓላፍነት ተረኪቡ ይሰርሕ። እቲ መንግስቲ፡ ብመሪሕነት እቲ ዝተመርጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢሉ ንመንግስቲ ሽወደን የማሓድር።
ብወግዒ፡ ሃገረ-ሽወደን ብቅዋማዊ ንግስና ዝተቐርጸት ንጉሳዊት ሃገር (constitutional monarchy) ኮይና፡ እቲ ንጉስ ናይታ ሃገር ድማ ካርል XVI ጉስታፍ ይባሃል። እቲ ንጉሳዊ መስርሕ: እንትርፊ ኣብ ጽምብላዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ካልእ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ዕዮ እዚ ክባሃል ዝኽእል ተሳትፎ የብሉን።
ሃገራዊ መረጻታት ኣብ ዝካየዱሉ እዋን፡ እቶም 7 ሚልዮን ዝኾኑ ህዝቢታት ሽወደን ኣብቲ ባይቶ ኾነ ኣብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣትዮም ነቲ ህዝቢ ክውክሉ ኣብ ልዕሊ ዝኽእሉ ሰባት ዝደለዩዎ ጽልዋ ንኸሕድሩ ዕድል ይህልዎም ማለት’ዩ።
ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብቶም 3 መረጻታት ንኽሳተፍ፡ ብውሕዱ ዕድሚኡ 18 ዝመልአ ክኸውን ኣለዎ። እዞም ዝስዕቡ ሮቓሒታት’ውን ክማልእ ኣለዎ፡
• ኣብቲ ባይቶኣዊ መረጻ፡ ንኽተድምጽ ናይ ሽወደን ዜግነት ክህልወካ ከምኡ ድማ ኣብቲ ግዜ መረጻ ይኹን ቅድሚኡ፡ ብመዝገብ ዝተረጋገጸ ተቐማጢ ሽወደን ምዃንካ ከተርእይ ኣለካ።
• ኣብ ናይ ከተማታት ምሕደራን ኣብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪታት ንኸተድምጽ፡ ናይ ሽወደን ዜግነት ክህልወካ ኣለዎ ወይ ድማ፡
• ኣብ ሓንቲ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነት ሃገር፣ ኣብ ኣይስላንድ ወይ ኖርወይ ዜጋ ክትከውን ኣለካ፣ ወይ ድማ ኣብተን ከተማታት/ዞባታትን ዝርከቡ ቤት ምኽሪታት ምዝጉብ ተቐማጢ ክትከውን ኣለካ፣ ወይ ድማ፡
• ዜግነትካ ካብተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት ወጻኢ ኮይኑ ኣብ ከተማታትን/ዞባታትን ቤት ምኽሪታት ሽወደን እንተወሓደ ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ምዝጉብ ነባሪ ወይ ተቐማጢ ክትከውን ኣለካ።
ኣብቶም መረጻታት ኣብ ዝግበሩ ከይድታት ብምድማጽ ብተወሳኺ፡ ንፖሊሲታት ሽወደን ንምጽላው ካልኦት መንገድታት’ውን ኣለው። እዚኣቶም ድማ፡ ኣባል ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃን፣ ኣብቶም ናይ መርመራ ጸብጻባት ሓሳባት ብምሃብን ኣብ ዝግበሩ ሬፈረንደማት ብምስታፍ እዪም።
ኣብ 5 ዓመት ሓንሳብ ድማ፡ እቲ ብሕታዊን ብቐጥታን ዝምረጽ ትካል ሕብረት ኣውሮጳ ብዝምልከት ንባይቶ ኣውሮጳ ዝግበሩ መረጻታት ኣለው። ዜጋ ናይ ሓንቲ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነት ሃገርን ምዝጉብ ተቐማጢ ሃገር ሽወደን ዝኾነ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ምድማጽ ክሳተፍ መሰል ኣለዎ።