ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ ዝሓውዩ ሰባት ፕላዝማ ደም ብምውሳድ ናብ ጌና ዘይሓወዩ ሰባት ብምሃብ ንምፍዋሶም ዝተገብረ ፈተነ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝረኸበ መጽናዕታት ኮለጅ ካሮሊኒስካ ሓቢሮም ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
እዚ ዝተገብረ መጽናዕቲ ናብ ብዙሓት ሕሙማት ክፍተን ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ሓቢሮም።
ሓደ ሕሙም ሰብ፡ ፕላዝማ ደም ካብ ዝሓወየ ሰብ ምስ ተዋህበ ንጽባሒቱ ኣብ ደም’ቲ ሕሙም ዝርከብ ዝነበረ ቫይረስ ክጸርይ ይጅምር” ክብል ክኢላ ሕማማት ለበዳ ፕሮፌሰር ኽዋኪም ዲልነር ይሕብር።
ፕላዝማ ደም እቲ ድሕሪ ዋህዮታት ደም ምስ ተኣልዩ ዝተርፍ ባእታ እዩ።
ሓደ ሕሙም ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ደሙ ዝርከብ ቫይረስ ክሳብ ዝጸሪ ቀጻሊ ፕላስማ ክወሃቦ ይግባእ ክብል ዲልነር ይሕብር።
እዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ለበዳ ተፈቲኑ ከምዝነበረን፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኸበን ይፍለጥ። ብፕላዝማ (ጸረ-ነብሳት) ጌርካ ንኣብ ደም ዝርከብ ቫይረስ ምቅዋም ከም ሓደ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ምዃኑ ይፍለጥ።
ዕላማ እዚ መጽናዕቲ ክሳብ ክንደይ ዓቐን ፕላዝማ ከም ዘድሊን ፕላዝማ ምጥቃም’ከ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ ንምፍላጥን ንመን ከም ዝወሃብ ንምውሳን ተባሂሉ ዝተፈተነ እዩ።
ኮሌጅ ካሮሊኒስካ፡ ካብ 25 ሕሙማት ናብ ሚእቲ ሕሙማት ብምዝላል ነቲ መጽናዕቲ ከስፍሖ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስኮና ተጀሚሩ ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ውጽኢት የለን ክትብል ዶ/ር ሞና ላንዲን ኦልሰን ገሊጻ።