ኣብ ዮተቦሪ እትርከብ ሕክምና ኣስኪም (Askim) ዝሰርሕ ሓኪም፡ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ክህብ ምጽንሑ ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ ሓካይም፡ ቅድሚ ውጽኢት መርመራ ቫይረስ ምቕባሎም፡ ምስክር ወረቐት ክጽሕፉ ኣይግባእን እዩ ክትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክትታል ጥዕና ሓላፊት ዝኾነት ማሪ ኣን ላርሲን፡ ገሊጻ።
ብዙሓት ሃገራት ዓለምና፡ ንዝመጹ ኣጋይሽ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ምስክር ወረቐት ከምዝሓታ ይፍለጥ። እዛ ሕክምና ድማ ዋጋ 2400 ክሮን ዝኾነ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ዝወሃብ ምስክር ወረቐት ክትዕድል ከምዝጸንሐት ሓንቲ ናይዛ መደበር ተለቪዥን ሪፖርተር፡ ኣብ ዘካየድቶ መርመራ፡ ሓቢራ።
ሓላፊ ናይታ ሕክምና ፡ ቶማስ ወይስቲን፡ ዝተመርመረ ሰብ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኑ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ መልሲ’ኳ እንተሃብናዮ፡ መረጋገጺ ብኢ-መይል ኢና ንሰደሉ ክብል ኣብ መጀመርያ ከመኽኒ’ኳ እንተፈተነ፡ ስዒቡ ግን ንኣሰራርሕኡ ክቕይር ምዃኑ ተዛሪቡ።