ማእከላይ ዕድመ ናይቶም ኣብ ምርጫ ምምሕዳር ከተማ ዝወዳደሩ ሰባት 56 እኳ እንተኾነ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሕጹያት ብዝበዝሐ ይዕወቱ ብምህላዎም ዕድመ ናይቶም ዝተመርጹ ሕጹያት ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ሰባት ነዊሕ ዕምሪ ይነብሩ ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ቆንስላት ውሽጢ ሃገር መንእሰያት ናብ ፖለቲካ ኣብ ምምጻእ ይሽገሩ ምህላዎም፡ ሓደ ካብ ምኽንያታት እዚ ተርእዮ እዩ፡ ክብል ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠተኛ ኤሪክ ቫንግማር ገሊጹ።
“ኣብ ቅድሜና ዓብዪ ማሕበራዊ ሽግር ተገቲሩ’ሎ” ኢሉ’ሎ–ኤሪክ ቫንግማር።