ትማሊ ዓርቢ ዝተፈነው ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ናብ 7.5 ሚእታዊት ወሪዱ’ሎ። እዚ ግሎባላዊ ንግድ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝፍርሃሉ ዝነበረ እዋን ምምጽኡ ድማ ኣዝዩ ኣገራሚ ይገብሮ ይብል እቲ ጸብጻብ። ብግንቦት ኣብ ዝተገብረ ጸብጻብ ኣብ ቼክ ሪፓብሊክ ዝወሓደ ሽቕለት ኣልቦነት ዝተመዝገበ ኮይኑ 2.2 ሚእታዊት ወሪዱ’ሎ ተባሂሉ። ግሪኽ ዝበዝሐ ሽቕለት ኣልቦነት ዘለዋ ኮይና ክሳብ 18 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ’ሎ።