በዓልመዚ ጥዕና ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል የኽእል እዩ ዝበሎ ካልእ ሕጊ ኣብ ናይ ሎሚ ግዜጣዊ መግለጺ ተዋሂቡ። ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ዳይረክተር ጀነራል ጆሃን ካርልሰንን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያትን ሌና ሃለንግረንን እየን። እቲ በዓልመዚ ልዑል ትራፊክን ብዝሒ ሰብ ዘለዎ ኣጋጣሚ ከወግዱን ካብ ማሕበራዊ በዓላት ክእለዩን ድማ ጸዊዑ። ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ብፍላይ ናብ ግሮሰሪታትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ካብ ምኻድ ክቚጠቡ ድማ መኺሩ። ብዘይካዚ ድኳናት መጠን ዘአንግድዎ ዓሚል ክውስኑን ብስርዓት ርሕቀቶም ሓልዮም ስርሖም ከሳልጡን ድማ ኣተሓሳሲቡ። ብዘይካዚ ስፖርተኛታት ልምምዳቶም ካብ ቤት ወጻኢ ክገብሩ ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።