ተማህሮ ድሕሪ ሰሙን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ እዮም ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ለበዳ ኮሮና ኣብ መንጎ መንእሰያት ብናህሪ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብ ከምዚ እዋን፡ በዓልመዚ ትምህርቲ ሸለልትነት ክውገድን ማሕበራዊ ምፍንታት ክድፈኣሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።
ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንኹሉ ነገራት ድልዎ ክገብር ኣይክእልን እዩ ክብል ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ፒተር ፍረድሪክሰን፡ ንሰብ መዚ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ሕሱም ናይ ቀውዒ ወቕቲ ክኸውን እዩ ድማ ኢሉ።
ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ብኮሮና ዝልከፉ መንእሰያት ቁሩብ ወሰኽ እኳ እንተርኣየ፡ ኣብታ ሃገር ተዛማዲ ባና ተስፋ ከም ዘሎ ዋና ተጸዋዒን ኣማኻሪን ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንዲሽ ቲግኔል ገሊጹ።
እዚ እናኾነ ኣብ መንእሰያት ዘሎ ናህሪ ሕማም ለበዳ ሻቕላ ምፍጣሩ ብምምልካት ካብ ዕረፍቲ ዝምለሱ መንእሰያት ሕማም እንተ ተሰሚዕዎም ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ምኽሩ ለጊሱ።
ዝመጽእ ሰሙን ዝጅምር ምኽፋት ትምህርቲ ንባዕሉ ኣብ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ተወሳኺ ምኽንያት ለበዳ ከይከውን ስግኣት ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ጽርግያትታ ብዝህሉ ብዝሒ ሰባትን ጭቕጭቕ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን እዩ ድማ ኢሉ።
ኣብ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ዝተኸተልናዮ ኣገባብ ውጽኢታዊ እዩ ኔሩ። እንድሕሪ ልዑል ሓደጋ ዘንጸላልዎም ተመሃሮን መማህራንን ኣለዉና ኮይኖም ከምኡ’ውን ትራንስፖርትን ፍርሂ ተጨቓጪቕካ ምኻድን ዝህሉ እንተ ኮይኑ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ምሃብ ክንቅጽሎ ኢና” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ መንጎ ተማህሮን መማህራንን ርክብ ምድልዳል፡ መማህራን ድማ ነንሕድሕዶም ምትእልላይ ከበርትዑ ድሕሪ ምልባው ድማ፡ ኣሸጋሪ ጽድያ ኣሕሊፍና፡ እዛ ቀውዒ ውን ከምኣ እያ ክትከውን፡ ኢሉ።