ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገለ ሰባት ናብ ቱርኪ ድሕሪ ምስትላሞም፡ ኣብ ኩርዳውያን ተቐማጦ ሽወደን ዘሎ ሻቕላ እናዓበየ ምምጽኡ
ተገሊጹ። ሽወደን ንኣባልነት ኔቶ ድሕሪ ምምልካታ፡ ብፍላይ መንግስቲን ዝምልከተን ኤጀንሲታትን ሽወደን ብጠለባት መንግስቲ
ቱርክ ክድረኻ ይኽእላ እየን ዝብል ፍርሂ፡ ኣብ ኩርዳውያን ተቐማጦ ሽወደን እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ’ሎ።
ማህሙት ታት ዝስሙ ሰብ ምስ’ቲ መንግስቲ ቱርክ “ግብረሽበራዊ” እዩ ኢሉ ዝሰመዮ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርድ ማለት PKK
ይተሓባበር እዩ ክትብል ክትከሶ ጸኒሓ’ላ። ታት ነዚ ክስቲታት ውጹእ ሓሶት እዩ ክብል እኳ እንተነጸጎ ናብ ቱርክ ክስትለም ከም
እተገብረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
ታት ንፈለማ እዋን ናብ ቱርክ ዝተስተለመ ኩርዳዊ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ኢላ’ላ–እታ ሬድዮ።