ኮሚተ ከባቢ ኣብ ከባቢ ማልም ዝርከባ ሸውዓተ ባራትን ኣብያተ ሻሂን ሰባት ብዝሕ ኢሎም ይዘናግዑለን ኣለዉ ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ምምሕዳር 32 ኣብያተ መስተን ሻሂን ምምርማሩን ንሸሞንተ ካብኣተን ቅልል ዝበለ ፍተሻ ከም ዝገበረለንን ጸብጻብ TT የመልክት። እዚ ኣታሕዛ ኣብ ዮምኮፒን ዝሓሸ ከም ዝመስል ድማ ተመልኪቱ። “ኣባና ኲነታት ደሓን ኣሎ” ክብል ዳይረክተር ኣሃዱ መግቢ ምምሕዳር ዮምኮፒን ንሬድዪ P4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ኣብ ማልም ኣብያተ መግቢ ዕጒጒ ኢሎም ዝምገቡ ዓማዊል ከይህልዉ ንምርግጋጽ መርመራ ክካየድ እዩ።
“እዚ ናይ ፈለማ መርመራ ምስ ምዃኑ እዞም ጒዳያት ኣብ ስካለ ናብ ዝርከብ ክፍሊ ምክልኻል ለበዳ ኣይኮኑን ክለኣኹ። ኣብ ክንዳኡ ክዕጸዉ ክግበሩ ይኽእሉ እዮም ክብክ ዳይረክተር ክፍሊ ኣከባቢ ማልም ኣቫንድ ኖርላንድ ይገልጽ። ትማሊ ጥራይ ክፍሊ ምክልኻል ለበዳ ስቶክሆልም ንሕግታት ዝጠሓሳ ሓሙሽተ ኣብያተ መግቢ ምዕጻዉ ተገሊጹ’ሎ። ተመሳሳሊ መርመራ ዮተበሪ ክካየድ እዩ ተባሂሉ’ሎ።